BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ቀሺ እዝራ ገብረመድህን፡ ኣስተንትኖ ጕዕዞ ሓምሳ ዓመት
ብ1935 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ተወሊዶም፡ ዓብዮምን ተማሂሮምን፣ ቅስና ከኣ ኣብኡ ለበሱ። ቀሺ እዝራ ገብረመድህን መበቈሎም ኤርትራዊ ኰይኖም ንእስነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህይወቶም ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን'ዮም ኣሕሊፎምዎ።
ኣብ መውዓሊ ህጻናት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን 33 ህጻናት ዝርከቡዎም ሰባት ተቐቲሎም
እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምስ ሰራዊት ዝዋጋኡ ብዘለው ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ከም ዝተፈጸመ፡ ትካል ሕክምና፡ መርበብ ሓካይም ሱዳንን ሰራዊትን ከሲሶም።
ሰባት ኣብ ሓደጋ ኰይኖም'ዉን ፈጺሙ ፍርሒ ከይስምዖም ዝገብር ሕማም
'ኣሜግድላ' ዝተባህለ ክፍሊ ሓንጐል እዩ ፍርሒ ክፍጠር ዝገብር። እቲ ሕማም ነዚ ክጐድኦ እንከሎ ሰባት ፍርሒ ዝብሃል ክስምዖም ኣይኽእልን።
ኢራን: ደቀንስትዮ ብዘይ ሒጃብ ክጐያ ዝፈቐዱ ኣዳለውቲ ማራቶን ኣሲራ
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን ዝተኻየደ ማራቶን ክልተ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ሽሕ ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፉሉ ኰይኖም፡ ገሊአን ቀይሕ ማልያ ተኸዲነን፤ መሸፈኒ ርእሲ ወይ መዐመሚ ኣይገበራን ነይረን።
ብሕማም ረሲዕ ንዝተጠቕዑ ዝሕግዝ ዘሎ ቴክኖሎጂ
ፖኬቶሞ ዝተባህለ 12 ሴንቲ ሜተር ቁመት ዘለዎ ሮቦት፡ ኣብ ቦርሳ ተሰኪምካዮ ክትዘውር ትኽእል ወይ ድማ ኣብ ጁባ ክኣቱ ይኽእል።
ኣብ ኣመሪካ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ሩስያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈፂማ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ንሰለስተ መዓልታት ምስ ጕጅለ ድርድር ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ "ኣዝዩ ሃናጺ" ከም ዝዀነ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።
ኤርትራ፡ 13 ሰባት ድሕሪ 18 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ካብ ማይስርዋ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ን18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ሰባት ከም ዝፈትሐ መቕርብ እሱራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እዞም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሞያውያን ወዘተ ዝርከቡዎም እሱራት፡ ትማሊ 4 ታሕሳስ ናብ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም ኣለዉ።
ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም?
ኣብ ዋሽንግተን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንሕቶታት ዑቕባ ብጠቕላላ ኣጊዱ ኣሎ።ሕዚ ድማ ቤት-ፅሕፈት ደሕንነት ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ዝኾነት ሃገር ሕቶ ስደተኛታት ከይቕበል ትእዛዝ ወሪድሉ ኣሎ።ንምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ቤት-ፅሕፈት ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን አሜርካ (ኣይስ) ዝሃድንዎም ዘለዉን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበሃሉን፡ እንመን እዮም?
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጉዳይ መሰል ዜግነት ብቦታ ትውልዲ ክሰምዕ ተሰማሚዑ
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ገለ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ዕሸላት ቅዋማዊ መሰል ዜግነት ኣለዎም ድዩ የብሎምን ንዝብል ጉዳይ ክሰምዕ ተሰማሚዑ።
ባይቶ ጀርመን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክካየድ ኣድሚጹ፡ ተቓውሞ መንእሰያትከ ደው የብሎዶ?
ባይቶ ጀርመን፡ ዓቕሚ ምክልኻል እታ ሃገር ንምዕባይ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምትእትታው ድምጺ ሂቡ። እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ምሉእ ወራር ዝደረኾ እዩ።
ኣሕምልቲ ጥራሕ ምምጋብ ኣብ ግዜ ቍልዕነት ኣንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ስነፍልጠት ኣመጋግባ ቪጋን ኣብ ህጻናትን ቈልዑን ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤናት እንታይ ይብል?
ትግራይ፡ ዝቐጸለ ጠለብ ሓይልታት ትግራይ
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጥርዓን ከስምዑ ምስ ዕጥቆም ዝመፅኡ ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብተመሳሳሊ ኣብ ህንፃ ቤት ጽሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረኺቦም እዮም። ዝተወሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ብምኻድ ንጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ወፅዮም ነናብ ገዛኦም ክኸዱ ኣገዲደሞም እዮም።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ስራሕ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ኢጋድ ዝዀነ ቸርነት ሃሪፎ፡ እንታይ'ዩ?
ቸርነት ሃሪፎ፡ ገና ወዲ 23 ዓመት እናሃለወ'ዩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ትካል ልምዓት መንግስታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ሓላፍነት ተቐቢሉ።
ቪድዮ, 'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ህጻናት ዝቐትሉ ጠንቈልቲ
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ።
ቪድዮ, ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ ኣሎ?
ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ'ዩ።
ትንታነ
'ፉጅያን'፡ ዘመናዊት መርከብ ውግእ ቻይና ንኣመሪካ ተስግኣ ድያ?
ኣብ ሕዳር 2025 ዝተበገሰት ሳልሰይቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ቻይና፡ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ክልተ መራኽብ ኣዝያ ዘመናዊት ምዃና ክኢላታት ይገልጹ። እዚ ድማ ንበይጂን ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ፓስፊክ ዝነበረ ዕብለላ ኣመሪካ ንምብዳህ ዝወጠነቶ ዕላማ ዓቢ ዝላ ምዃኑ ይእመን።
ኤርትራ-ሱዳን፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ሸነኽ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ይኸውን?
እዚ ብወገን ምብራቕ ሱዳን ክኽፈት ዝሕለን ዘሎ ውግእ፡ ምናልባት ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ ኢትዮጵያን ትግራይን ኲናት እንተ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ ዞባዊ መልክዕ ዘለዎ ሓደገኛ ኲናት ክፈጥር ከም ዝኽእል፡" እውን ነቲ ዘሎ ስግኣት ኣመልኪቱ ዓብዱራሕማን የተኣሳስር።
ትራምፕ፡ መከራ ሱዳን ከብቅዕ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ክዕወት ይኽእል?
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጽኢት ከምጽእ እንተዀይኑ፡ ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ እትህቦ ደገፍ ድው ከተብሎ ከእምና ኣለዎ። ኢማራት ዓረብ ዋና ብዓልቲ ብርኪ ስምምዕ ኣብርሃምን ቀንዲ መሻርኽቲ ወፍሪ ምምሕዳር ትራምፕን እያ። ዋሽንግተን ንስለ ሱዳን ኢላ ዝምድናኣ ምስ ኣቡዳቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትዎ ተኽእሎ የብሉን።
ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓርሱ፡ ኣቢይን ትግራይን እንታይ በለ?
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ ኣዘራራቢ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ወጥሪ ዝፈጠረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ሓለቓኡ ኣቢይ ኣሕመድን ተዛሪቡ'ሎ።
ምስጢራውያን ድሮናት ብለይቲ ኣብ መላእ ሰማያት ኤውሮጳ ተራእየን፡ ክሳብ ክንደይከ ይጸልወና?
ሩሱያ ካብ 24 ለካቲት 2022 ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ብቐንዱ ንኣመሪካን ዓቢ ግድል እቲ ኵናት ሩስያ ኣንጻር ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንኸይከውን ንዩክረይን ንገዛእ ርእሳ ንኽትከላኸል ምሕጋዝ'ዩ። ኣውሮጳ ብድሮን ንኸይጥቃዕ መንደቕ መከላኸሊ ጸረ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምህናጽ ሓደ ነገር'ዩ፡ ነቲ እቲ ድሮናት ዝብገሳሉ ምጥቃዕ ካልእ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነገር'ዩ። ኣውሮጳ ግን ምርጫኣ ዘነጸረት ትመስል፡ ሕጂ ኣብ ክንዲ ነቲ ዋልታ ነቲ ጭማራ ምጭማት'ዩ ሕርያኣ።
ቢቢሲ ካብ ትራምፕ ንዝቐረበሉ ጠለብ ካሕሳ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ይብል?
ቢቢሲ ፕረዝደንት ትራምፕ ብ06 ጥሪ 2021 ዝገበሮ መደረ ንሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ቆሪፁ ዘላገበሉ መገዲ፡ ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ፤ ንዝቐረበ ሕቶ ካሕሳ ግና ነፂግዎ።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ወጻኢ ብዓል መን እዮም?
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ን18 ኣዋርሕ ተኸርዲና ዝጸንሐት ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቍጽጻሩ ፈጺሙዎ ብዝተባህለ "ጨፍጫፍ" ህልቂት ናይቲ ኲናት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። እዚ ጽሑፍ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ዝተነግረሉ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ብዓል መን ምዃኖም ዘብርህ እዩ።
ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ?
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ዲፕሎማሰኛታትን እታ ሃገር ዝወጸ ቃላት ነቲ ድምጽታት ናብ ቅሉዕ ናይ ዋንነት ሕቶን ምጕትን ኣስጊርዎ ይርከብ።ብሰንኪ'ዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ናይጀርያ፡ ከምቲ ትራምፕ ዝብሎ ክርስትያናት ይቕተሉ ኣለዉ ድዮም?
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ጐስጐስትን ፖለቲከኛታትን ንኣዋርሕ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ናይጀርያ ንዝርከቡ ክርስትያናት ብስርዓት ዒላማ ይገብሩ ነይሮም ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ቢቢሲ ግን ገለ ካብቲ ነዚ መበገሲ ዝዀኑ መረዳእታታት ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ምዃኑ ረኺቡ ኣሎ።
ማምዳኒ፡ ከንቲባ ኒውዮርክ ኰይኑ ዝተመርጸ ኣፍሪቃ ዝመበቈሉ ኣስላማይ፡ እንታይ ይፅበዮ?
ሓድሽ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኰይኑ ዝተመርፀ ዞህራን ማምዳኒ ብብዙሕ መዳይ ፍሉይ እዩ። ካብ 1892 ጀሚሩ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣስላማይን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ፈላማይ ከንቲባን ክኸውን እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ - 'ዓውደ ዝምታን ምትእትታውን' ህዝባ 'ኣብ ዘመናዊ ባርነት'
እቲ ፕረዚደንት ንዕላማ ዑደቱ ምስ መራሒ እታ ሃገር ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ዘካየዶ ዝርርባት፡ ሓድሽ ዓቢይ ሙዝየም እታ ሃገር፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ'ውን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ንዝቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።
ሱዳን፡ ሕሜቲ ብኸመይ'ዩ ካብ ተራ ሸቃጥ ገመል ክሳብ ፍርቂ ሃገር ዝተቘጻጸረ ጸላዊ ሰብ ኰይኑ?
ብሕሜቲ ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ሱዳን ከም ዓብላሊ ባእታ ኰይኑ ተቐልቂሉ፣ እቲ ንሱ ዝመርሖ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝፍለጥ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ድማ ፍርቂ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ኣሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ብሪጣንያ ዘቕረበቶ ዝርዝር ክስታት ጾታዊ ዓመጽ
ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣሃዱ መሰልጠኒ ሰራዊት እንግሊዝ (ባቱክ) ክስልጥኑ እኳ እንተጸንሑ፡ ህላወኦም ግን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከካትዕ ጸኒሑ'ዩ፤ ወተሃደራት ብጕለድት ስነ-ምግባርን ግህሰት መሰላትን ይኽሰሱ።
ዘስካሕክሕ ሞት ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ጀርመን፡ ዘይተመለሱ ኣገደስቲ ሕቶታት
ጀርመናውያን ክኢላታት መርመራ፡ ንናይ መወዳእታ ሕልፈት ናይታ ኣብ ጫካታት ራይንላንድ-ፓላቲና ኣእዳዋ ተቘሪጹ ዝተረኽበ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊትን ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ዝተረኽበ ውሉዳን ንምፍላጥ፡ ሓበሬታታት ኣብ ምምእራርን ምግጥጣምን ተጸሚዶም ይርከቡ።
ጀርመን፡ ዘይተወድአ ጉዳይ ኤርትራዊት ግዳይ፡ ዝተረኽበ ሬሳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብን
ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣውረጳ ኣብ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቅንስትዮ፡ ገለ ብመጻምደትን ገለ ብቐረባ ቤተሰበን ይቕተላ ምህላወን ኣዝዩ ዘሕዝን ተረክቦ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንመላእ ኤርትራውያን ማሕበረሰብን ንብዙሓት ሃገራትን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።
ኲናት ሱዳን፡ 'ትንፋሶም ዘይሓለፈ ሰባት ብመኪና ክረግጽዎም ርእየ'
ኣልፋሸር ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ክባ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ዕጽዋ ብፍላይ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣረሜናዊ ምዕራፍ እዩ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንዑደት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንጉዳይ 'ኣፍደገ ባሕሪ' ኣምሲላ ካልእ ትርጉም ትህቦ ምህላዋ ትኸስስ
ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ "ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ስልጣና ትምህርቲን ምልውዋጥ ልምድን ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክልተኣዊ ልዝብ" ከምዘካየዱ ሓቢሩ ነይሩ። ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ከምዝተራኸበ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እሳተ-ጐመራ መዓስ ከም ዝነቱግ ኣቐዲምካ ምፍላጥ ይከኣልዶ?
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈንጀረ እሳተ ጎመራ ሃይሊ ጉቢ ን12 ሽሕ ዓመታት ደቂሱ እዩ ጸኒሑ፤ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣየርኣየን ነይሩ። እቲ ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝወጽእ ሓሙኽሽቲ፡ ብምኽንያት ንፋስ ክሳብ 1000 ጫማ ተጓዒዙ፤ ደቀቕቲ ስብርባራት ድማ ኣብ ሰማይ ተራእዮም።
ኤርትራ፡ ገማግም ባሕራን ልኡላዊ መሰላታን ዘይግሃስ ምዃኑ ኣፍሊጣ
ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንኽህልዋ ደጋጊማን ብዝተፈላለየ ተዅታዂ መግለጺታትን ትረኻታትን ትገብሮ ንዘላ ፈተነታት ብምንጻግ፡ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ህርፋን ምስፍሕፋሕ ብሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ትረኻ ንምብርባሩ ትፍትን ኣላ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ።
'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ኣካላት ሰብ ንምሻጥ ሰባት ዝቐትሉ
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ። ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ነቶም ብድሕሪ ንግዲ ክፍሊ ኣካላት ሰብ ዘለዉ ሰባት መን እዮም ዝብል መርሚሩ ኣሎ።
ወጻኢታት ምክልኻል ምብዛሕ፡ ንክሊማ ብኸመይ ይጸልዎ?
ክሊማ ዓቢ ስግኣት ድሕነት ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራት ዳግማይ ብህጹጽ ምዕጣቕ ህጹጽ ከም ዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ። ልቀት ካርቦን ምክልለል እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ምኒስተር ጌድዮን፡ ኤርትራ ካብ 'ግጉይ ፖሊሲኣ' ክትቍጠብ ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዑ
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴስ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘኸትል ንጥፈታት ክትቍጠብ፣ ከምኡ'ውን ምስ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዝሳነ ሃናጺ መንገዲ ክትክተል ክደፋፍኡዋ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኢትዮጵያ፡ ትካል ሚድሮክ ብ'ምዝመዛ ህጻናት'ን 'ግዱድ ሽቕለት'ን ስለምንታይ'ዩ ዘይሕተት?
መርመርቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ መጀመርታ 2017 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዘጋጠሞም ነገር ዘይተጸበይዎ'ዩ ነይሩ። እቶም መርመርቲ ነቶም ኣብቲ ሕርሻ ተኣኪቦም ዝረኣይዎም ሰባት፡ ካበይን ብኸመይን ከምዝመጹ ሓተትዎም።
'ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ኣብ ወሽመጥ ዓደን "ዘሻቕል" ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምፍታሕ ብግብጺ ዝተወስደ ተበግሶ "ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ" ብምባል እቲ ኩነታት ብምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ከምዝተሓላለኸ ኣብሪሁ። ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ከምዝወሰደት ይፍለጥ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](/api/flow.js?q=https%3A%2F%2Fichef.bbci.co.uk%2Face%2Fws%2F240%2Fcpsprodpb%2F1ffe%2Flive%2Fbf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


































































